” ትግራይ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ መራሕቲ ምእራምን ምእላይን ተሳኢኑዋ ኣብ ጀቕጀቕ ተረግሪጋ ኣላ ” ክብሉ ወሲኾም ሚንስትር ጌታቸው።

“ሴንተር ፎር ሪስፖንስብል ኤንድ ፒስፉል ፖለቲክስ” ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ ብምትሕብባር ሎሚ ሰነ 20/2017 ዓ.ም ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርስቲ  ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዝተረኸቡ እቶም ሚንስትር : ዝተሓላለኹ ፀገማት ትግራይ በቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ዘይኮነስ በተተካኢ ሓይሊ መንእሰይ እዮም ዝፍትሑ ኢሎም።

 
ኣብ’ቲ “ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ኣብ ትግራይ፡ ዕድላትን ዓንቅታትን” ብዝብል ርእሲኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከቡ  ደቂ ትግራይ ዘራኸበ መድረኽ :  ትግራይ ህፁፅ መፍትሒ ኣብ ዝጠልብ  ፀጥታዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን  ፀገም ከምዘላን ካብዚ ክትወፅእ ድማ ዝምልከቶ ኩሉ “ይኣክል” ዝብል ፃውዒት ቀሪቡሉ ። 

ኣብ’ቲ ስለ “ሰላም ” ትግራይ ዝዝቲ መድረኽ : ብሙሁራንን ነባር ፓለቲኛታትን ሸዊት ውዳሴ (ሓጋዚ ፕ/ር) : ኣሰፋ ለኣከ (ዶ/ር) : ኣሰፋ ኣብራሃን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂምን መዛተዪ ፅሑፋት ቀሪቦም።

ኣብ’ቲ ዘተ ካብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ዝተወፃፅኡ ሓለፍቲ ቤት ክልልን ፌደራልን ፣ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ፣ መራሕቲ ሚድያ ፣ ተወከልቲ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ፅልዋ ዘለዎም ኣካላት ተረኺቦም ክብል ቲክቫህ ኢትዮጵያ ቤተሰብ መቐለ ካብ ቀፅሪ መአከቢ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ፀብፂቡ።

EthioNews #Ethiopia