
ሓደጋ ባርዕ ደኒ ዴስኣ ናይ ምስፍሕፍሕ ዕድሉ ከምዝተዓገተን መሊኡ ንክጠፍእ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዘድልን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ አፍሊጡ።እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ 43 ሄክታር መሬት ጉድኣት ከምዘብፀሐ ዝሓበረ እቲ ቢሮ ድጉል ጓህሪ ስለዘሎ እቲ ቓፀሎ ተመሊሱ ናይ ምልዓል ዕድሉ ሰፊሕ ምዃኑን ፍሉይ ትኹረት ዝሓትት ጉዳይ ከምዝኾነን ሓቢሩ።ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ እቲ ሓደጋ ብሙሉእነት ክሳብ ዝጠፍእ በብ ብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓን ትካላትን ዝጀመርዎ መሪሕነትን ደገፍን ኣጠናኺሮም ክቅፅሉ ድማ ፀዊዑ።ብፍሉይ ንምክልኻል ዝሕግዙ 70 ቐወምቲ ሓይሊ ሰብ ንዝቅፅሉ ውሱን መዓልትታት ምምዳብ ከምዘድሊን ነዳዲ፣ቐለብ ሰብ፣ማይ፣ማፍያ ፣መዋሮ፣መጉሓፍያን ካልኦትን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ፅጉምነትን ጭቡጥ ናይ ምግጣም ዕድልን ተሓሳቢ ዝገበረ ቐፃሊ ዝተወደበ ርብርብ ከምዘድሊ እውን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣዛኻኺሩ ኣሎ ክብል ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ።