
ብሰንኪ ፖለቲካዊ ቅልውላው ስግኣት ፀጥታ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ ክብል ወሲኹ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ። ሰነ 19/2017 ዓ.ም ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ከተማ መቐለ ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ፀጥታ 2017 ዓ.ም ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዘካየዶ ዘተ : ሕብረተሰብ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ፀጥታ ዘለዎ ስግኣት ይውስኽ ኣሎ።ኣብ’ቲ ዘተ ዝተወሰኑ ኣባላት ፀጥታ ጉዳይ ፀጥታ ምስ ፖለቲካ ምርኻብ፣ ከባብያውነት ምንፅብራቕ ፣ ኣካል ስግኣት ምዃንን ሕብረተሰብ በዓል ዋና እቲ ፀጥታ ዘይምግባርን ክፍተታት ኣለው ተባሂሉ ።ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ዝርዝር ዳህሳስ ገበንን ዝፈፀሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእን መምሃርን ስጉምቲ ዘይምርካቦም ኣብ ምክልኻል ፀጥታ ስግኣት ፈጢሩ እዩ ።ካብቶም ብተደጋጋሚ ዝፍፀሙ ዘለው ገበናት ቕትለት ፣ ስርቅን ምትላልን እዮም ተባሂሉ።
EthioNews #Ethiopia